Eritrean Orthodox tewahdo mezmur  ካብ ሑጻ ባሕሪ( kab hutsa bahri ) ናይ ንስሓ መዝሙር  - Lyrics

ግጥም

ካብ ሑጻ ባሕሪ ይበዝሕ ሓጥያተይ

ቋሕ ኢለ ክጥምት ኣይክእልን ሰማይ

ኣይዝርዘርን’ዩ ብዙሕ እዩ በደለይ

ምኽኣሉ ስኢነ ከቢዱኒ ጾረይ

ንስሓ ዝሰራዕካ ኣይኮነን ንጻድቃን

ንዘይበደሉኻ ንኣብርሃም ንይስሓቅ

ንያዕቆብ ንሙሴ ኣኮነን ንእዮብ

ንዓይ ንሓጥእ’ዮ ንዓይ ንዱኹም ሰብ::

ብመንግስትኻ ዘክረኒ ጎይታይ ክትመጽእ ከለኻ

ብዝፍርህ ግርማ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ ኢኻ::

ዕርቃነይ ተሪፈ ተገፋፍ ጸጋይ

ቅድሜኻ ደው ክብል ኣይክእልን ብርከይ

እነይ ብሓጥያት ጠኒሳ ወሊዳትኒ

ጎይታይ ንሓጥያተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ

ቅኑዕ ኣለኻ ኣምላኽ ክትቀጽዓኒ

ቅኑዕ ኣለኻ ክትግስጸኒ::

ብመንግስትኻ ዘክረኒ ጎይታይ ክትመጽእ ከለኻ

ብዝፍርህ ግርማ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ ኢኻ::

ግብሪ ዘይብለይ ቃልካ ተዛራቢ

ኣብ መድረኽ ደው ኢለ ወንጌልካ ማሃሪ

ዘማሪ ወዳሲ ሞቕረቢ ቀዳሳይ

ኣብቲ ቅዱስ ቤትካ ማህሌትካ ቀዋማይ

ግብሪ ዘይብለይ ደንዳን እዩ ልበይ

ገብርሄር ክኸውን ጎይታ ፍቐደለይ::

ብመንግስትኻ ዘክረኒ ጎይታይ ክትመጽእ ከለኻ

ብዝፍርህ ግርማ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ ኢኻ::

ቃልካ ዘክር ጎይታ ናይ ቀራንዮ

ኣብ ቤተልሄም ምውላድካ ዘክሮ

እቲ ኩሉ ስቓይ ምእንታይ’ዶ ኣይኮነን

ቃልካ እዩ ጎይታ ሓኪም ንሕሙማን::

ብመንግስትኻ ዘክረኒ ጎይታይ ክትመጽእ ከለኻ

ብዝፍርህ ግርማ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ ኢኻ::

ፍያታዊ ዘየማን ምስ ለመነካ

ቃሉ ሰሚዕካ ሓጥያቱ ገዲፍካ

ኣምስለኒ ከምኡ ንዓይ ንባርያኻ

ጎይታ ዘክረኒ ኣብ ዳግማይ ምጽኣትካ::

ብመንግስትኻ ዘክረኒ ጎይታይ ክትመጽእ ከለኻ

ብዝፍርህ ግርማ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ ኢኻ::

Eritrean Orthodox tewahdo mezmur ካብ ሑጻ ባሕሪ( kab hutsa bahri ) ናይ ንስሓ መዝሙር - Lyrics

Comments

Sign in to leave a comment

No comments yet. Be the first!

Related hymns